እቲ ለውጢ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብልዑል ዝላ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ክበፅሕ ከምዝገበሮ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ለውጢ መንግስቲ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝነበሩዎ ማሕለኻታት መስተኻኸሊ ብምግባር ህንፀቱ ብልዑል ዝላ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ንኽሳገር ከምዝገበረ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካን መራሒ ዋና ተደራዳሪ እቲ ግድብን ኣምባሳደር ስለሺ÷ “ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክት ዝነበሩ መሰረታዊ ፀገማት ቅድሚት ዝፅርሑ ኢዮም” ኢሎም።

እቲ ስራሕቲ ምሕደራ ፕሮጀክት ንናይ ውሽጢ ሃገር ተቋራፂ ዝተውሃበሉ መገዲ ትኽክለኛ ኣካይዳ ዘይተኸተለን ዝተሓላለኸን ምዃኑ÷ ስራሕቲ እቲ ግድብ ዝጠልቦ ዝኻበተ ልምዲን ፍልጠትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ እዋን ህንፀት ኮንክሪት ብቕልጡፍን ብዝተትሓዘሉ ግዘን ይወገን እምበር÷ ስራሕቲ ኤሌክትሮ መካኒካልን ሓፂነ መፂንን ብምጉታቱ ህንፀት እቲ ግድብ ከይዕወት ፈተና ከምዝነበረ ብምሕባር፤ መንግስቲ ብዝገበሮ መስተኻኸሊን መመሓየሺን ህንፀት እቲ ግድብ ክቀላጠፍ ከምዘኽእሎ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ እቲ ግድብ ንምህናፅ ዘርአዮ ቆራፅነት ህንፀቱ ንኽቀላጠፍ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ እቲ ግድብ ልዑል ዝላ ብምርኣይ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ስራሕቲ ኮንክሪት ከምዝዛዘምን ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ተርባይናት መፈልፈሊ ሓይሊ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብርኪ ብብርኪ ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉን ኣብሪሆም።

ህንፀት እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም ዓቕሚ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብ130 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment