ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ዘካተተ ልዝበ ግብፂን ኣሜሪካን ኣብ ደቡብ ዘሎ ኲናት እስራኤል ሃማስ ጋዛ ንግዚኡ ጠጠው ንኽብል ኣብ ስምምዕነት ብምብፃሕ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ጋዛ ግብፂን ዘሎ ዶብ ራፋህ ንምኽፋት ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ዘ ግሎብ ኤንድ ሜይል ፀብፂቡ፡፡
ንእስራኤል ብማእኸላዊነት ዘሳተፈ ልዝብ እተን ሃገራት÷ እቲ ኲናት ጦርነቱ ንብዙሓት ሰዓታት ጠጠው ንኽብል ኣብ ስምምዕነት ይበፃሕ እምበር ንኽንደይ ዘኣክል ሰዓት ከምዝኾነ ዝተወሰነ ግዘ ኣየቐመጠን፡፡
ሰለስቲአን ሃገራት ዶብ ራፋህ ብኣቆፃፅራ ሰዓት ኢትዮጵያ ክሳብ ምሸት ሰዓት 5 ክፍቲ ንኽኸውን ተስማዕሚዐን፡፡
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ÷ ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤልን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካን ኣብቲ ጉዳይ ምንም ኣይበሉን፡፡
ብወገን ጋዛ እውን ዝተሰምዐ ነገር ከምዘየለ ተገሊፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com