እስራኤል ኣብ ሶማሌላንድ ጦር ሰፈር ክትሃንፅ ከምትደሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ሶማሌላንድ ጦር ሰፈር ንምህናፅ ድሌት ከምዘለዋ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዝና እናፀብፀባ ይርከባ፡፡

ህንፀት እቲ ጦር ሰፈር ዓመፅቲ ሃውቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ ድሕንነት ባብ ኢል-ማንዳብ ስትሬት ንምሕላውን ኣብቲ ዞባ ዝፍፀሙ ገበናት ንክልኻልን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብምዃኑ ድማ እስራኤል ንሶማሌላንድ ኣፍልጦ ብመሃብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክትፈጥር ከምትኽእል ምግላፁ ሚዲል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ስትራቴጂክ ካብ ዝበሃላ ከባቢታት ሓንቲ ከምዝኾነት ዝንገረላ ሶማሌላንድ÷ ሲሶ ዝውውር ንግዲ ባሕሪ ዓለም ከምዝሳለጠላ እቲ ፅብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ሶማሌላንድ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ኣብ 740 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ትርከብ እንትትከውን÷ ድሕንነት መስመር ባብ ኢል-ማንዳብን ቀይሕ ባሕሪን ንምሕላውን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ጥቕዓት ሸፋቱ ባሕሪን ካልኦት መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲን ንምክልኻልን ወሳኒት ቦታ ከምዝኾነት ይንገረላ፡፡

Comments (0)
Add Comment