እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣሜሪካ ሓቲታ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣሜሪካ ሓቲታ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፍልስጤም፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ ኣብ ጋዛ 249 ዜጋታት ህይወቶም እንትስእኑ 510 ድማ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝገብርዎ ዑደት ብምቕፃል ትማሊ ናብ እስራኤል ምእታዎም ተገሊፁ።

ፀብፃብ ሚኒስቴር ጥዕና ፍልስጤም ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣንቶኒ ቢሊንከን ሓቲቶም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማዊያን መረበቶም ብምልቃቕ ንክወፅኡ ዝግበር ፅዕንቶ ትኽክል ዘይምዃኑ ምዝራቦም ይዝከር።

ሚኒስቴር ምክልኻል አስራኤል ብግድኡ፥ ኣብ ደቡባዊን ማእከላዊን ጋዛ ሓዱሽ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ነዊሕ እዋን ክፀንሕ ከምዝኽእል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment