እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ወታደራዊ መጥቃዕቲ እንተፈፂማ ዝኸፍአ ኲናት ክፅበያ ኢዩ – ኢራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ወታደራዊ መጥቃዕቲ እንተፈፂማ ከቢድ ግብረ መልሲ ክፅበያ ኢዩ ክትብል ኢራን ኣጠንቂቓ።

ኢራን እዚ ዝበለት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ትሕዝቶ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ሰፊሕ ወታደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ከምዝተዳለወት ምግላፃ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ኣብ ውሕመ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ከምዝበሉዎ÷ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዝተማለአ ወታደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ እንተጀሚራ ኢራን ኩሎም ኣማራፂታት ክትጥቀም ኢያ፡፡

እዚ ድማ ክግበሩ ኣብ ዝኽእሉ ኩሎም ዓውደ ውግኣት ክሳብ ምስታፍ ከምዝበፅሕ ገሊፆም፡፡

ሂዝቦላህ ወታደራዊ ማእኸላት እስራኤል ዘርኢ ብድሮን ዝተቐረፀ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ ወጥሪ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተበኣኣሰ ይርከብ፡፡

ኣሜሪካ፣ ሩሲያን ብሪታኒያን ሓዊሱ ሸውዓተ ሃገራት እውን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት እናተበኣኣሰ ዝመፅእ ወጥሪ ብምስጋእ ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲበን ክብል ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment