እስራኤል ኣብ ሌባኖስ ብዝጀመረቶ ወፍሪ ልዕሊ 440 ዕጡቓት ሂዝቦላህ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ደቡባዊ ሌባኖስ ብዝጀመረቶ ወፍሪ ልዕሊ 440 ዕጡቓት ሂዝቦላህ ከምዝቐተለት ጦር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ጦር እስራኤል ብርጋዲየር ጄኔራል ዳንኤል ሃጋሪ ከምዝገለፁዎ÷ ብኣየርን ብመሬትን ብዝተገበረ ወፍሪ ዘመቻ መራሒ ጉጅለ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ሊባኖስን ተማጓቲ ፍልስጤምን ዝኾኑ ሓሳን ናስራለህ ሓዊሱ ብዙሓት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ተቐቲሎም፡፡

“በቲ ወፍሪ ሂዝቦላህ ናብ ሰሜናዊ ሌባኖስ ንኸንሳሕብ ገይርናዮ ኢና” ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል÷ ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ወፍሪ ልዕሊ 30 ኣዘዝቲ እቲ ጉጅለ ሓዊሱ 440 ኣባላት ሂዝቦላህ ከምዝተቐተሉ ገሊፆም፡፡

ሂዝቦላህ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 130 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሰ ብምግላፅ፥ መከላኸሊ ኣየር እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ክከላኸል ከምዝኸኣለን ኣብ ሌባኖስ ዝገብሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ተዛሪቦም፡፡

ሂዝቦላህ ብግድኡ÷ እስራኤል ኣብ ዶብ ከባቢ ትርከብ ከተማ ኦዳይሴህ ንምቁፅፃር ዝገበረቶ ፈተነ ከምዘፈሸለን እስራኤል እትገብሮ ሰፊሕ ወፍሪ እናመከተ ከምዝኾነ ምሕባሩ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment