እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ መራሒ ሃማስ ተቐቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ መራሒ ሃማስ ፋትህ ሻሪፍ ኣቡ ኣል ኣሚን ተቐቲሉ።

ሃማስ ነቲ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ሊባኖስ ብምሰረት ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ፋትህ ሻሪፍ ኣቡ ኣል ኣሚን ምስኡ ምስ ዝነበሩ ስድርኡ ከምዝተቐተለ ኣረጋጊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ሊባኖስ ኣብ ሊባኖስ ዝፈፀመቶ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ  መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብመሰረት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ነቢል ኳዑክ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሂዝቦላህ ምቕታሉ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሊባኖስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መራሒ ሂዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ ሓዊሱ 20 ላዕልዎት ኣመራርሓ ሂዝቦላህ ከምዝተቐተሉ ሬውተርስ ኣብ ፀብፃቡ ኣዘኻኺሩ።

Comments (0)
Add Comment