እስራኤል ንመራሒ ሂዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ዕጡቓት ሂዝቦላህ ወታሃደራዊ ስጉምቲ እትወስድ ዘላ እስራኤል ንመራሒ ሂዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ።
ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ከምዝበሎ፥ ሓሰን ነስራላህ ኣብ ቤይሩት ምሸት ዓርቢ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢዩ ተቐቲሉ።
ሂዝቦላህ ነቲ ጉዳይ ጠሚቱ ክሳብ ሐዚ ዘበሎ ነገር የለን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ሎሚ እውን ቀፂሉ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።
Comments (0)
Add Comment