እስራኤል ንሃማስ ሓዱሽ ትልሚ ስምምዕነት ምቕራባ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ዕጡቕ ሃማስ ተወሰኽቲ ዕጉታት እንተለቒቑ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ትገብሮ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ንሓፂር እዋን ጠጠው ንምባል ድልውቲ ምዃና ኣር ቲ መራኸብቲ ሓፋሽ እስራኤል ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

እቲ ናይ ስምምዕነት ሓሳብ ብኣሸማገልቲ ኳታር ኣቢሉ ዝቐረበ እንትኸው÷ ክሳብ 40 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝፀንሕ ትልሚ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ሃማስ ኲናት ሙሉእ እሙሉእ ጠጠው ንኽብል ከምዝሓተተን ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ዘይሻራዊ ክሳብ ዝኸውን ኲናት ክቕፅል ንምግባር ቃል ዝኣተወ ኣመራርሓ እስራኤል ነቲ ሕቶ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

ብውሑዱ ሸሞንተ ኣሜሪካውያን ሓዊሱ 128 እስራኤላውያንን ዜጋታት ወፃኢ ሃገርን ሕዚ እውን ኣብ ጋዛ ተዓጊቶም ከምዝርከቡ ይእመን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment