እስራኤል ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ ካብቲ ከባቢ ብህፁፅ ንክወፅኡ ዳግም ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ዝተመረፁ ትሕዝቶታት ሂዝቦላህ ብነፈርቲ እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጣ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸላዊን ደቡባዊን ቤሩት ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ክሳብ ሐዚ 9 ሰባት ሀይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ 14 ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሰብ መዚ ሊባኖስ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ዕጡቓት ሂዝቦላህ ፊት ንፊት ኲናት ይግብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

በቲ ኲናት 8 ወተሃደራት ከምዝሞትዎ ዝገለፀ ሰራዊት እስራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ 25 ከባቢታት ዝርከቡ ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ ካብቲ ከባቢ ብህፁፅ ንክወፅኡ ዳግም ሰራዊት አስራኤል ኣተሓሳሲቡ።

Comments (0)
Add Comment