ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ እስራኤል ብግብፂ ኣቢሎም ናብ ጋዛ ዝግበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ንሃማስ ዘይበፅሑ እንተኾይኖም ንኽመሓላለፉ ከምዝፈቅድ ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳኔ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ እስራኤል ቴል ኣቪቭ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል÷ እስራኤል ብግብፂ ኣቢሉ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዝግበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ማይ፣ ምግቢን ካልኦትን ንኽመሓላለፉ ከምትፈቅድ ኣብሪሁ፡፡
ይኹን እምበር ናብ ሃማስ ክበፅሑ ዝኽእሉ ዝኾኑ ይኹኑ ሓገዛት ንኽመሓላለፉ ከምዘይፈቅድ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ካብ ዝቕፅል ዓርቢ ጀሚሩ ካብ ግብፂ ዶብ ራፋህ ኣቢሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ጋዛ ከምዝበፅሑ ገሊፆም ኢዮም፡፡
“ውሕመ ንተጎዳእቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብፅሕ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት÷ እቲ ሓገዝ ንሃማስ ዝበፅ እንተኾይኑ ግን ክቋረፅ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም፡፡
ግብፂ ዶብ ራፋህ ንሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላለፊ ንኽውዕል ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክፍቲ ከምትገብር ምግላፃ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com