እምነ ኩርናዕ ብልዕሊ 35 ሚሊየን ብር ዝህነፅ ማእኸል መዘናግዒ ራያ ማይጨው ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እምነ ኩርናዕ ብልዕሊ 35 ሚሊየን ብር ዝህነፅ ማእኸል መዘናግዒ ራያ ማይጨው ሎሚ ተነቢሩ።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፥ ከተማ ማይጨው ማይጨው ንኣመሰራርትኣ ዝምጥን ዕብየት ከየርአየት ምፅንሓ ብምግላፅ ነዚ ዝምጥን ልምዓት ክተርኢ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ማእኸል መዘናግዒ፥ ብበዓል ሃፍቲ ሃለቃ ኣክሊሉ ሃይሉ ብልዕሊ 35 ሚልየን ብር ዝህነፅ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ፀጋታት ቱሪዝም እቲ ከባቢ ናብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ልዑል ግደ ዘለዎ ማእኸል ከምዝኸውን ኣይተ ሃፍቱ ኣረዲኦም።

ብዓል ሃፍቲ ሃለቃ ኣክሊሉ ሃይሉ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተሃኒፁ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ማእኸል መዘናግዒ ደገፍ ህዝብን መንግስትን ተላብዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment