ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጄንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን መፅናዕቲ ትግበራ ሲቲ-ኔትን ስማርት ሰርቪስ ዴሊቨሪን ንምክያድ ምስ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ሰነድ ስምምዕነት መረዳድኢ ተፈራሪሙ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብታ ሃገር ድሕንነት ሳይበር ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
እቲ ሕዚ ዝተፈረመ ስምምዕነት ነዙይ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ሚኒስትር ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ብግደአን፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ከተማታት ንምዝማን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝጀመረ ኣብሪሀን፡፡
ሲስተ፣ማት ብዝተጠናኸረ፣ ዝተሳለጠን ድሕንነቱ ብዝሓለወን መልክዑ ተግባራዊ ንምግባር ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝወሰነ ገሊፀን፡፡
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት፥ እቲ ሚኒስቴርን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ 117 ከተማታት ሲቲ-ኔትን ስማርት ሰርቪስን ተበፃሒ ንምግባር ዘዝሓሰቦ ትልሚ ኤጄንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን እታወት ዝኾኑ መፅናዕቲታት ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣዳሊዩ ነቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ከምዘርክብ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!