ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ-19 ምክፍፋሉ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ-19 ናብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዘከፋፈለ ኣፍሊጡ።

እቲ ምክፍፋል ክታበት ሚኒስቴር ጥዕና ብዘውጸኦ ቁፅሪ ዝርገሐ መሰረት ብምግባር ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፣ ክልላት ኦሮምያ ፣ኣምሓራ ፣ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ፣ ሲዳማ ፣ ጋምቤላ፣ ትግራይ፣ ዓፋር፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌ፣ ሃረሪን ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋን ከምዝተኸፋፈለ መራሒ ጉጅለ እቲ ምክፍፋል ኣይተ ተስፋሁን ኣብሬ ገሊፆም፡፡

ኣብ እዋን ዝርገሐ ዛሕሉ ብትኽክል ዝተሓለወ ምዃኑ ንምቁፅፃር ዘኽእል መሳርሒ ኣብ ኩለን ተሸከርከርቲ ከምዝተገጠመን እዚ ድማ እቲ ክታበት ፅሬቱ ተሓሊዩ ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝበፅን ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ኣይተ ተስፋሁን ተዛሪቦም።

እቲ ኤጀንሲ 2 ሚሊየን 184 ሺሕን ክታበት መድሓኒት ኮቪድ ዝተረከበ እንትኸውን፥ ንኣገልግሎት ዝውዕል ኣልኮልን ሲሪጅን ምክፍፋሉ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment