ኤጀንሲ ብሄራዊ ቤተ መፃሕፍቲን በተ መዛግብቲን ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ግልጋሎት 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ብሄራዊ ቤተ መፃሕፍቲን በተ መዛግብቲን (ወመዘክር) ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ግልጋሎት ካብ 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

መምርሒታት ፕሮቶኮል ኮቪድ-19 ሓሊዩ ንህዝቢ ክፍቲ ንምግባር ምድላዋቱ ምዝዛሙ ዝሓበረ እቲ ኤጀንሲ፥ ካብ 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣቢያተ መፃሕፍቲ ጉዱኣት ኣካልን ህፃናትን እንተይሓወሰ ክሳብ ምሸት 2 ሰዓት ኣገልግሎት ከምዝህብ ገሊፁ፡፡

መፃሕፍቲ ምእዋድ ከምዘይህሉን ሓደ ተገልጋሊ ዝተጠቐመሉ መፅሓፍ ምስተጠቐመ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ተፈሊዩ ከምዝቕመጥን እውን ኣፍሊጡ፡፡

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት፥ መምርሒ ብምድላውን ኣተገባብራ እቲ መምርሒ ንሰራሕተኛታት ውሃብቲ ኣገልግሎት ስልጠና ብመሃብ ተፈቲኑ ኢዩ፡፡

እቲ መምርሒ፥ ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ምስ ባህሪ ስራሕ እቲ ኤጀንሲ ክናበብ ብምግባርን ብምውዳድን ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment