ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅርየት ልዕሊ 456 ሺሕ ቶን ደረቕ ጓሓፍ ኣወጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅርየት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2017 ዓ.ም ልዕሊ 456 ሺሕ ቶን ደረቕ ጓሓፍ ከምዘወገደ ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቲ ዝተወገደ እቲ 109 ሺሕን 608 ቶን ንመፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘገልገለ ዳይሬክተር ምምሕዳር ላንድፊል ረጲ እቲ ኤጀንሲ ነብዩ ተስፋዬ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ 374 ሺሕን 290 ቶን ብላንድፊል ነክውገድ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ካብ ዝቐረበ ድመር ደረቕ ጓሓፍ 76 ሚኢታዊ ብላንድፊል ምውጋዱን 24 ሚኢታዊ ድማ ንመፈልፈሊ ሓይሊ ምውዓሉን ኣብሪሆም።

ብዮሐንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment