ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኮርፖሬሽን ባንኪ ልምዓት መሬት ፌዴራልን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኮርፖሬሽን ባንኪ ልምዓት መሬት ፌዴራልን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት፥ መሰረተ ልምዓት እቲ ኮርፖሬሽን ናብ ዲጂታል ንኸኣቱ ናይ ምግባርን ልምዓት ሳይቨር ስትራቴጂክ ማፕ ናይ ምድላው ከምኡ እውን ምሕላው ድሕንነት እቶም ሓበሬታታት ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛው ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ከምዝበሉዎ፥ መሬት ቀንዲ ሃፍቲ ስለዝኾነ ሓበሬታ መሬት ብግቡእ ምጥቃምን ምቕማጥን ንሃገር ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ንርከበሉ ዘበን እዋን ሓበሬታ እቲ ዘዓበየን ቁልፊን መወዳደሪ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ሹመቴ፥ እዚ ሓበሬታ ድሕንነቱ ንምሕላውን ንምጥቃምን ድማ ኮርፖሬሽን ልምዓት ባንኪ ኣብ ዘሳልጦም ስራሕቲ እቲ ኤጀንሲ ብሓባር ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ባንኪ ልምዓት መሬት ፌዴራል ሌንሳ መኮንን ብግደአን፥ ዓቢዪ ሃፍቲ ዝኾነ መሬት ሓበሬታ ምሓዝ ኢትዮጵያ ኣብትስርሖም ስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት ፅሬዝተ ዘለዎ ውሳነ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ድሕንነቱ ንምሕላው ዘለዎ ግደ እውን ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት እቲ ኮርፖሬሽን ንባዕሉ ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ማእኸል ዝገበረ እንትኽውን፥ ብፍላይ ሓበሬታ ድሕንነቱ ንምሕላው ዘዓለመ ከምዝኾነ ምግላፀን እውን ካብ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment