ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ምኽንያት ብምግባር መተሓሳሰቢ ጥንቃቐ ድሕንነት ሳይቨር ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ምኽንያት ብምግባር መተሓሳሰቢ ጥንቃቐ ድሕንነት ሳይቨር ሂቡ።

ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ስዒቡ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ክፍነዉ ዝኽእሉ መጥቃዕቲታት ሳይቨር ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ተጠቀምቲ ግልጋሎት ኢንተርኔትን ኔትዎርክን መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑን ትካላት ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ክፍጠሩ ካብ ዝኽእሉ መጥቃዕቲታት ሳይበር ብንቕሓት ብምክትታል ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ እቲ ኤጀንሲ ኣተሓሳሲቡ።

ብፍላይ ኣብ ቁልፊ ትካላት ሃገርን መሰረተ ልምዓታት (ትካላት ፋይናንስ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ትካላት ልምዓትን ካልኦትንን) ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሳይቨር ክፍነዉ ስለዝኽእሉ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ትካላት ይኹኑ ሕብረተሰብ ዝኾነ ይኹን ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይቨር ወይ ድማ ኣጠራጣሪ ነገር እንተጋጥም ቀፂሎም ኣብ ዝተገለፁ ኣድራሻታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰዓት ብቕልጡፍ ንኽሕብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ቁፅሪ ስልኪ፦ 0900896448, 0936825343, 0944336802

ኢ-ሜይል፡ ethiocert@insa.gov.et

ናጻ መስመር ስልኪ፦ 933

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment