ኤጀንሲ መረብ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን ካብ ምንኽኻእ ናፃ ዝኾነ መሳርሒ መናፅሂ ኢድ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ሰነ፣ 2012፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ መረብ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን ምግፋሕ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ካብ ምንኽኻእ ናፃ ዝኾነ መሳርሒ መናፅሂ ኢድ ብምድላው ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ለጊሱ።

ዋና ዳይሬክተር ኢቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ መሳርሒ ኣረኪበሙዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ እቲ መሳርሒ ድሕሪ ምጥቃሞም ዝተባባዕ ምህዞ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ተመሳሰልቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ምምሃዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

እቲ መሳርሒ ሰባት ኣብ 6 ሜትሮ ርሕቐት ብምዃን ኢዶም ንምሕፃብ ዘኽእል ፃውዒት ብሰለስተ ቋንቋ ዘቕርብ እንትኸውን፥ ብዋናነት ሳኒታይዘርን ኣልኮልን ምጥቃም ዘኽእል ተገይሩ ከምዝተሰናድአ ተሓቢሩ።

እቲ ኤጀንሲ ቅድመ ሐዚ እውን ንሚኒስቴር ሰላምን በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያን መናፅሂ መሳርሒታት ዘቕረበ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንካልኦት ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት፣ ትካላትን ሆስፒታላትን ፍሪያቱ ተበፃሒ ከምዝገብር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment