ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕን ዩኒቨርሲቲ ኣልፋን ንወፍሪ ህልውና ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ፌዴራልን ዩኒቨርሲቲ ኣልፋን ንሰራዊት ምክልኻል ድጋፍ ገንዘብ ገይሮም።

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ፌዴራል ነቲ ሰራዊት ልዕሊ ብር 2 ሚሊዮን 800 ሽሕ ድጋፍ ዝገበረ እንትኸውን፤ ዩኒቨርሲቲ ኣልፋ ብግደኡ ብር 100 ሽሕ ድጋፍ ገይሩ።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብምምካት ህልውና ሃገር ንምድሓን ኣብ ዝግበር ወፍሪ እተን ትካላት ዝተፈላለዩ ድጋፋት እንትገብራ ምፅንሐን ተገሊፁ።

እቲ ሐዚ ዝገበርኦ ድጋፍ እውን ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ዘሎን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢ-ሰብኣዊ ተግባር እናፈፀመ ዝርከብ ጉጅለ ጥፍኣት ንምክልኻል ልዑል መስዋእቲ ህይወት እናኸፈለ ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ጎኒ ምዃነን ንምርኣይ ከምዝዀነ እዩ ተገሊፁ።

እተን ትካላት ድጋፈን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ እውን ገሊፀን እየን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ድጋፍ ሐዚ እውን ህዝብና ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደጀን ኰይኑ ዘረጋገፀሉ እዩ ክብላ ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ወይዘሮ ማርታ ሉጂ ተዛሪበን።

ብዝተፈላለዩ መገድታት ነቲ ሰራዊት ዝግበር ድጋፍ ድማ፤ ኣብ ግምባር ምስቲ ጉጅለ ጥፍኣት እናተቓለሰ ንዘሎ ሰራዊት ዓቢይ ናይ ሞራል ስንቂ ምዃኑ ገሊፀን።እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment