ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ንትግበራ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ኣብ ትግበራ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣብ ኢትዮጵያ ሉዊስ ኣንቶኒ ሶቼት ገሊፆም።

እቲ ኤጄንሲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ኩለመዳይ ምትሕብባራት ልምዓት ኣጠናኺ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣብ ኢትዮጵያ ሉዊስ ኣንቶኒ ተዛቲየን፡፡

ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ምትሕብባር ከምዘለወን ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ እቲ ምትሕብባር ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምፅኡ ገሊፀን።

ኤጀንሲ ፈረንሳይ ልምዓት÷ ኣብ ምትግባር ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ልዑል ሓገዝ ከምዝገበረ ኣልዒለን።

እቲ ሓገዝ ኣብ ምትግባር ትልሚ ማእኸላይ ዘበን ሰለስተ ዓመትን ኣብ ትግበራ ዓመታት ካልኣይ ምዕራፍ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርምን ንኽጠናኸር እውን ሓቲተን።

ሉዊስ ኣንቶኒ ሶቼት ብግደኦም÷ መንግስቲ ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ኣብ ትግበራ ካልኣይ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ምግላፆም ሃብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment