ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ እትዓሞ ንዘላ ልምዓት ንምድጋፍ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ እትዓሞ ንዘላ ልምዓት ንምድጋፍ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኤጀንሲ ናርዶስ በቀለ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዋ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዝተባባዕ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ግብርና ወዘተ ንዝነጥፉ ሰብ ሃፍቲ ንምድጋፍ ድልዊ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ኤጀንሲ ብመሰረት ዝገበሮ መፅናዕቲ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ 100 ሚሊየን ኣናእሽቱን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት እተን 92 ሚሊየን ኣብ ዓውዲ ኢ-ስሩዕ ዝርከባ ከምዝኾና ግዜኢ ፀብፂቡ።

ነተን ኢንተርፕራይዛት ቀረብ ካፒታል፣ ምትእስሳር ዕዳጋ፣ ህንፀት ዓቕሚን ቢዝነስ ፕላንን ብምቕራፅ ምስራሕ ከምዝግባእ ድማ ተዛሪበን።

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment