ኤክስፖ ገልፍ ምግቢ ኢትዮጵያ ፍርያታት ወፃኢኣ ንኽተፋልጥ ዕድል ፈጢሩ ኢዩ

ኣዲስ አበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኤክስፖ ምግቢ ገልፍ ዱባይ ምስታፋ ናብ ወፃኢ ትልእኾም ፍርያታት ንኽተፋልጥ ዕድል ከምዝፈጠረ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲ ኣይተ ዳንጌ ቦሩ ገሊፆም።

ኣብ ወርልድ ትሬድ ሴንተር ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ ኦክስፖ ምግቢ ገልፍ፥ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ምግቢ ኣቕሪባ፡፡

ኣብቲ ኤክስፖ ዝተረኸቡ ኣብ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ዘፈር ፕሮሞሽንን ኣይተ ዳንጌ ቦሩ፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ሓደ ገዛ ዝተራኸቡሉ ኦክስፖ ምግቢ ምስታፋ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ፍርያታት ንምፍላጥ ዕድል ከምዝፈጠረ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ብጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን፣ ቡናን ቅመማ ቅመምን፣ መዓርን ስጋን ከምኡ እውን ብፍርያታት ቀወምቲ እንስሳት ልዑል ዓቕሚ ኣለዋ ዝበሉ እቶም ሚኒሰስትር ዲኤታ፥ ኤክስፖ ምግቢ ዱባይ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝሰርሑ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዕለት ብዝተፈላለዩ ፍርያታት ወፃኢ ዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ሓቢሩ ንምስራሕ ስምምዕነት ምፍፃሞም እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

Comments (0)
Add Comment