ኤክስፖ ዱባይ 2020 ፖቪሊዎን ኢትዮጵያ ንዑደት ብዕሊ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዱባይ ዝካየድ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ፖቪሊዎን ኢትዮጵያ ትማሊ ብዱሙቕ ኩነታት ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋና ኣረጋን ኮሚሽነር ጀነራል ኤክስፖ ዱባይ 2020 ኢትዮጵያ፣ ቆንስላ ጄነራል ፌዴሪኢ ኣብ ዱባይ ኣምባሳደር ኢየሩሳሌም ኣምደማርያም፣ ሓለፍቲ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢሚሬታትን፣ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም።

ኤክስፖ ዱባይ 2029፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ጥቅምቲ 2021 ክሳብ 31 መጋቢት 2022 ዝፀንሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣምባሳደር ምስጋናው ኣረጋ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣብ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ዕድላት ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን መስሕባት ቱሪዝምን ንምፍላጥን ምስሊ ንምህናፅን ዓብዪ ብፅሒት ከምዘለዎ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚስቴር ጉዳያትወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment