ኤክስፖ ዕደና ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ዕደና ዘፋልጥ ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓለም ለኸ ኤክስፖ ዕደና ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ዕደና ንዓለም ዘፋልጥ ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ኣብቲ ዓለም ለኸ ማዕድንን ቴክኖሎጂን ኤክስፖ “Mintex”፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወቅር ዘውዴ፣ ሚኒስትር ማዕድን  ኢንጂነር ታከለ ኡማ፣ ካልኦት ሚኒስትራትን ርእሳነ ምምሕዳር ክልልትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየን ተኸፊቱ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ዕደና ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ዕደና ንዓለም ዘፋልጥ ኢዩ ኢለን።

እቲ ዓውዲ ንዘይሕጋዊ ተግባር ዝተቓልዐ ስለዝኾነ ኣብ ምክልኻል ጠመተ ክግበር ኣለዎ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ኤክስፖ ካብ  ካብ ሎሚ ጀሚሩ በክሳብ 3 ሕዳር 2015 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።

ልዕሊ 270 ኩባኒያታት ውሽጢ ዓዲን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ኩባኒያታት ኣብቲ ኤክስፖ ምስታፎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዕደና ነክርእዩን ኢንቨስት ንክገብሩን ዝሕገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment