ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ 17 ክሳብ 23 ጥሪ 2016 ዓ.ም ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር መስኖን ከባቢታት ቆላን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ፀጋታት ልምዓት ከባቢታት ቆላ ንምጥቃምን ናብራ ሰበኽ ሳግም ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለዉ ኢሉ።

እቲ ትካል ኣካል ናይዚ ተግባር ዝኾነን ብብርኪ ሃገር ዝኽበርን መዓልቲ ሰበኽ ሳግም ካብ ዝኾነ እዋን ብዝተፈለየ ኣህጉራዊ ዝምድና ብዘጠናኽር መልክዑ ኢዩ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክካየድ ኢሉ።

ሚኒስትር ኢ/ር ኣይሻ መሓመድ፥ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ በዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር ኢዩ ኢለን።

ኣብቲ ኤክስፖ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ክሳተፋ ኢየን ተባሂሉ።

ብመራኦል ከድርእዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment