ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ማይንቴክስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)3ይ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ማይንቴክስ ካብ 14 ክሳብ 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምዝካየድ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኤክስፖ ብዙሓት ዓለም ለኸ ኩባንያታት ከምዝሳተፉን ነቲ ኩነት ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረን ተገሊፁ፡፡

ሃገር በቆል ትካላት ፍርያቶም ንዓለም ንኸፋልጡን ክሸጡን ምቹው ዕድል ዝፈጥር ኤክስፖ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ኣብ ዓውዲ መዓድንን ቴክኖሎጂን ዝተዋፈሩ ትካላት ኣብቲ ኤክስፖ ብምስታፍ ፍርያትን ኣገልግሎቶምን ንኸፋልጡ እውን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment