ኤክስፖርት ስርናይ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ክኢልና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኤክስፖርት ስርናይ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ክኢልና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ሎሚመዓልቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ተረኺቦም ኤክስፖርት ፍርያት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም።

ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉው መልእኽቲ÷”ንህዝብና ዝተዛረብናዮ ብተግባር ፈፂምና ሎሚ ኤክስፖርት ስርናይ ኢትዮጵያ  ጋህዲ ክንገብር ክኢልና” ኢሎም።

“ንሕና ንህቅን፣ ዝሃቀንናዮ ንዛረብ፣ ዝተዛረብናዮ ለይቲን ቀትሪን ንሰርሕ፣ ዝሰራሕናዮ ድማ ዛዚምና ነርኢ ምዃንና መረጋገፂ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ክተርፍ ብምግባር፤ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ተሊማ እናሰርሐት ምፅናሓ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment