ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዳጋ ኤሌክትሮኒክስ ኣፍሪካ(ኤኢትሬድ ግሩፕ) ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ቢርኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽፋት ዘኽእሎ ስምምዕነት ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ግሩፕ ሙሉ ኣለም ስዩምን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ተፈፃምነት ናፃ ቀጣና ንግዲ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስላጥ፣ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፣ ንጀመርቲ መሃዝቲ ስራሕን ዲጂታል ኢኮኖሚን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ ትካል፥ ቢነቲ ቢሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽፋት ናብ ሙልሉእ ስራሕ ንምእታው መንግስቲ ደገፉ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ሙሉኣለም ስዩም ብግደኦም፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዲጂታል ኢኮኖሚ ናብ ዝሓሸ በርኪ ንምብፃሕ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፆም።
ንፍሪያታት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም።