ኤች ኣር 6600 ብዝብል ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ንምግባር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ብኣባላት ኮንግረስ ፓርቲ ዴሞክራትና ሪፐብሊካንን ዝተዳለወ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ንምግባር ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ቤት ምኽሪ ዕቤት ኢትዮ ኣሜሪካውያን ኣፍሊጡ።

ብኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ቶም ማሊኖውስኪ (ኒው ጀርሲ)፣ ያንግ ኪም (ካሊፎርኒያ)፣ ግሪጎሪ ሚክስ (ኒው ዮርክ)ን ማይክል ማካውል (ቴክሳስ)ን ‘ኢትዮጵያ ስታብላይዜሽን ፒስ ኤንድ ዴሞክራሲ ኣክት’ ወይ ድማ ኤችአር 6600 ብዝብ ዘሰናድኡዎ ረቂቅ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ እቲ ኮንግረስ ልዝብ ከምዝተገበረሉ ይፍለጥ።

ኤችኣር 6600 ኣብ ኲናት ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ተሓተትቲ ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ውልቀ ሰባት ማዕቐብ ምንባር፣ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ድሕንነትን ንግዲን ክተቋፅን ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ሓገዝን ልቓሕን ከይትረክብ እገዳ ምግባርን ዝብሉ ሓሳባት ዝሓዘ ረቂቕ ሕጊ ኢዩ።

ቤት ምኽሪ ዕቤት ኢትዮ ኣሜሪካውያን እቲ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ዘኽል ምንቅስቓስ ምግባር ከምዝጀመረ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ-ኢትዮጵያውያንን እቲ ሕጊ ዝቃወምን ከይፀድቕ ዘተሓሳስብ ደብዳቤ ንኮንግረስ ኣሜሪካ ከምዘእተዉን እቲ ከይዲ ሕዚ እውን ከምዝቐፀለን ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ኩነታት ካብ 435 ኣባላት ኮንግረስ እቶም 149 ከምኡ እውን ካብ 100 ኣባላት ሴኔት እቶም 64 ኣባላት ብምርካብ ረቂቕ ሕጊ ኤችኣር 6600 ኣመልኪቱ ዘሎ ኩነታት ንኽፈልጡ ከምዝተገበረ ኣቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ምግባር ንኢትዮጵያ ድምፂ ምዃን ይግባእ ክብል ፃዒት ምቕራቡ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment