ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤር ኤክስፕረስ ኣፍሪካ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣየር ኣሮፕላን ዝህብ ትካል ኮይኑ ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ።
ኤር ኤክስፕረስ ዓለም ለኸ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ተቀመጠን ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ዝትገበሩ ሓሙሽተ ደረጃታትን ብዕዉት ኩነታት ብምዝዛሙ ኢዩ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣየር ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ፡፡
ኣብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሰነ-ስርዓት ርኽክብ ሰርተፊኬት ዝተረኸቡ ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ጌታቸው መንግስቴ፥ “እቲ ሲቪል ኣቪዬሽን ዓበይቲ ማሕለኻታት ዘለዉዎ ብምዃኑ ተረዲእኹም ተስፋ ዘይቆረፅም ብንቕሓት ብምስራሕ ንዓወት ንኽትበቕዑ ይምነ” ኢሎም፡፡
መስራቲን በዓል ዋናን ኤር ኤክስፕረስ ኣፍሪካ ካፒቴይን ነስሩ ከማል ብግደኦም፥ ኢንስፔክተራት በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን እንተይተበድሁ ብምስራሕ ናብዚ ውፅት ብምብቀዖም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኤር ኤክስፕረስ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ኣገልግሎት እናሃቡ ዝርከቡ ትካላት ትራንስፖርት ኣየር ኣወውሮፕላን 12 ምብፀሖም ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።