ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ሪጅናል ዳይሬክተር ዩኤንኤድስ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ሪጅናል ዳይሬክተር ዩኤንኤድስ ኣን ሙዞኒ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ንኤች ኣይ ቪ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ብሓባር ምስራሕ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ተመያይጦም፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኩለመዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ፃናእሰይ፣ ኣረጋውያን፣ ጉዱኣት ኣካልን ካልኦት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታትን ንምኽበር ብዙሓት ተግባራት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ብፍላይ መጥቃቲን ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ምክልኻል፣ ደቂ ኣንስትዮ ብኢኮኖሚ ምብቃዕ፣ ተበፃሕነት ትምህርቲ ጎራዙን ኣገልግሎት ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ምስፋሕ ዝርገሐ ኤችኣይቪ ንምግታእ ወሳኒ ብምዃኑ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣልዒለን።

ኣን ሙዞኒ ብግደአን፥ ዩኤንኤድስ ስርዓተ ፆታ ምስ ኤችኣይቪ ዘሎ ምትእስሳርን ዝርገሐኡ ኣብ ምግታእን ዘሎ ምትእስሳር ዘጋጠሙ ክፍተታት ብመፅናዕቲን ከምዝተፈለየ ኣልዒለን፡፡

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ትኹረት ብምሃብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ሰገና፣ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን በቲ ቫይረስ ከይተሓዙ ንምክልኻል ምስቲ ሚኒስቴ ብሓባር ንምስራሕ ዘለወን ቆራፅነት ምርግጋፀን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment