ኤርትራውያን ተቐማጦ መቐለ ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መቐለ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ቅድሚ ሕደት ሰሙናት ኣብ መቐለ ብዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዓለም ኣሻቓሊ ኮይኑ ዝርከብ ቫይረስኮሮና ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝያዳ ክሃሲ ከም ዝኽእል ተረዳዲኦም።

ንሳቶም ብዓቕሞም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ድማ እቶም ስደተኛታት ካብ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል የኽእሎም’ዩ ዝተብሃለ ናውቲ ሕክምና ከብፅሕሎም ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን መናእሰይ ብዘካየድዎ ጎስጓስ፥ ኣብ ደገ ካብ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብዓብይኡ ድማ ተጋሩ ሰብሃብትን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ብዝገበርሎም ሓገዝ ሳሙና፣ ማስክ መሸፈኒ ኣፍን ኣልኮልን ዓዲጎም ናብ ሸራሮን ሕፃፅን ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ዘብፅሕሎም ኤርትራዊ መንእሰይ ዘርኣይ ደረስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ ዝበበሩሎም ሓገዝ ብብር እንትትመን ልዕሊ 171 ሽሕ ብር ከምዝግመት ዝሓበረ ኣይተ ዘርኣይ፥ እቶም ኣብ ሸራሮ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንግዚኡ ኣዕቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛነት ምዝገባን ወረቐትን ዝተነፍጉ ከምዝኾኑን ንግዚኡ ብሓገዝ ቀይሕ መስቀልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕመጡለን ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment