ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዘዳለዎ ምድላው ብምቅዋም ዝወፅኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ሊስፖ መኮንናት አስራኤል ሓዊሱ 140 ሰብ ከምዝቖሰለን ብንኡሱ ሰለስተ ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ቆሲሎም ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።

ፖሊሳት እስራኤል እቲ ናዕቢ ደው ንምባል ፃዕሪ እንተገበሩ እውን እቶም ተቓወምቲ ብረት፣ በትሪ፣ እምንን ዝተፈላለዩ ነገራትን ይውርውሩ ከምዝነበሩ ዘ ኒው ኣረብ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣውሮፓን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ ዲያስፖራታት ኤርትራ መበል 30 ዓመት በዓል ናፅነት ኤርትራ ንምኽባር ፌስቲቫላት የዳልዉ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ደገፍቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ይተኣጓጎል ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment