ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘይግቡእ ክፍሊት ከምዝሕተቱን ዲፖርቴሽን ከምዝፍፀመሎምን ተገይሩ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኣልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣፍሊጡ።
ኣልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ዝፈፀመሎም ዜጋታት ወፃኢ ጠሚቱ ንዝውዛዕ ዘሎ ስኑዕ ሓበሬታታት መብርሂ ሂቡ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ኣብ መመብርሂኡ ኤርትራዊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ በደልን ኣድልዎን ይፍፀመሎም ኣሎ ብዝብል ዝጋዋሕ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገር ብምእታውን ብሕጋዊ መገዲ ኣቲዮም ካብ ዝተፈቐደሎም ገደብ እዋን ንላዕሊ ብምፅናሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ኣብሪሁ፡፡