ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይቲ ዝኾነት ኤርባስ A350-1000 ኣውሮፕላን መባፅሒኡ እናስፈሐ ንዝርከብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ዝውስኸሉ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ገሊፆም፡፡
ኣፍሪካ ፈላማይቲ ዝኾነት ኤርባስ A350-1000 ኣውሮፕላን ናይቲ መገዲ ኣየር ሎሚ መዓል ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትትኣቱ መርሃ ግብሪ ኣቀባብላ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ መርሃ-ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣይተ መስፍን ጣሰው÷ እታ ኣውሮፕላን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ኻላ ከምዘምፅእ ገሊፆም።
በዚ ድማ ብብርኪዓለም መባፅሕቱ እናስፈሐ ንዝርከብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ከምዝውስኽ ገሊፆም።
“ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ” ዝብል ስያመ ዝተውሃባ እታ ኣውሮፕላን 400 ወናብር ኣለዋ።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ