ኤርሊንግ ሃላንድ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኖርዌይ ኮይኑ

ኣዲስ አበባ፣ ጥቅምት 1፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኖርዌያዊ ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብ 36 ዓለም ለኸ ፀወታታት ብዘመዝገበን ሸቶታት ናይ ሃገሩ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ።

ወዲ 24 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ትማሊ ምሸት ኣብ ፀወታ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ሃገሩ ኖርዌይ ንስሎቫኒያ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ እቲ ሪከር ናይ ውልቁ ክገብር ክኢሉ፡፡

ሃላንድ ብሓፈሻ ኣብ 36 ዓለም ለኸ ፀወታታት 34 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኢዩ ን90 ዓመታት ብወዲ ሃገሩ ጆርገን ጁቬ ተታሒዙ ዝነበረ ሪከርድ ከመሓይሽ ክኢሉ ዘሎ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1920 ን 1930ታትን እናተፃተ ዝነበረ ጁቬ 33 ሸቶታት ንሃገራዊት ጋንታ ኖርዌይ ብምምዝጋብ እቲ ሪከርድ ሒዙ ምፅንሑ ይዝከር፡፡

ሃላንድ ድሕሪ እቲ ፀወታ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ “ልዑል ኩርዓት ተሰሚዑኒ ኢዩ፤ ታሪኽ ብንስረሐይ ሕጉስ ኢየ” ኢሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዘመዝግቦ መጠን ሸቶ ክብ ንምባል ከምዝሰርሕ ምግላፁ እውን ዘ ኢንዲፔንደንት ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment