ኤምባሲ ጀርመን ካብ 1942 ጀሚሮም ዝተሓተሙ ኩሎም ሕታማት ጋዜጣ ነጋሪት ንቤተ መፃሕፍቲን ቤተ መዛግብቲን ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1942 ጀሚሮም ዝተሓተሙ ኩሎም ሕታማት ጋዜጣ ነጋሪት ንብሄራዊ ቤተ መፃሕፍቲን ቤተ መዛግብቲን ኣረኪቡ።

ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንነዊሕ እዋናት ኣብ እንዳ መዝገብ ብጥንቃቐ ተታሒዞም ዝፀንሑ ካብ 19 42 ጀሚሩ ዝተሓተመ ሙሉእ ጋዜጣ ነጋሪት ኣብ ዝሓለፈ ከምዘረከበ ኢዩ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር እቲ ብሄራዊ ቤተ መዛግብቲ ኣይተ ዳንኤል ጠና ኣብ ኤምባሲ ጀርመን ብምርካብ እቶም ጋዜጣታት ካብ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣውር ተረኪቦም።

ኤምባሲ ጀርመን ሓድጊታት ኢትዮጵያ ሓሊኻ ንምፅናሕ ኣብ ዝግበር ስራሕ ናይ ኩሉ እዋን ኣጋርነቱ ምግላፁ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment