ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ 767 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዘድሐነ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ምስ ሓለዋ ጠረፍ ባሕሪን ኣካላት ፀፅታ እታ ሃገር ብምትሕብባር 767 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዘድሐነ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ÷ ካብ ሸንሸል ሓደጋ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ተሪፎም ዝኸፍአ ሓደጋናብ ዘጋጥመሉ ባሕሪ ጂቡቲ ጉዕዞ ዝገብሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ዝሓለፉ ሰውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ 767 ስደተኛታት ከትርፍ ክኢሉ ተባሂሉ።

ሓይሊ ሓለዋ ጠረፍ ባሕሪ ጂቡቲን ብሄራዊ ሓይሊ ባሕሪን 5 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም ኣብ ክልላዊ ምምሕዳር ኦቦክ ጂቡቲ ራስ-ርብ ካብ ዝተብሃለ ቦታ ብምብጋስ 196 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣሳፊራ ናብ የመን እትጓዝ ዘይሕጋዊት ኣዘዋዋሪት ሰባት ጀልባ ከምዝሓዘ ገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም 196 ዜጋታት እተን 29 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና÷ እቲ ኤምባሲ ነቶም ስደተኛታት ኣድላዪ ሓገዝን ክትትልን ብምግባር ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ገይሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሰለስተ ሰለስተ ናይ ወፃኢ ዜጋታትን ሓደ ኢትዮጵያዊን ብኣዘዋወራይነት ዘይሕጋዊ ሰባት ተጠርጢሮም ንፍርዲ ከምዝቐርቡ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment