ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መቐመጢኦም ኣብ ኬንያ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም ንኣምባሳደራት ኩዌት፣ ናይጀሪያን ኮሎምቢያን ኣብ ኬንያን ተወከልቲ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ዘይኮና ትካላት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም፡፡

እቶም ኣምባሳደር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኩለመዳይ ለውጢ ንምምፃእ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ምምሕያሽን ኣኽራሪ ጥፍኣት ህወሓት እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝገበሮም ዝተፈላለዩ ተግባራትን ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

መንግስቲ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ስርዓትን ከምኡ እውን ተግባር ምፅናዕ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛም ትኹረቱ ናብ ጉዕዞ ልምዓት ከምዘዝውር ገሊፆም፡፡

እቶም ተወከልቲን ኣምባሳደራትን ብግደኦም፥ ልዕልነት ሕገ-መንግስቲን ምርግጋፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፉ ገሊፆም፡፡

እቲ ኤምባሲ ቅድም ክብል ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ ኢጋድ፣ ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብን ሕብረት ኣውሮፓን ተመሳሳሊ ዘተ ምክያዱ ይፍለጥ፡፡

ምስ ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያን ናይሮቢ ምስ ዝርከቡ 30 ዓለም ለኸ ሚዲያታትን መብርሂ ከምዝሃበ እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment