ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላ ሚኒሶታን ሎስ ኣንጀለስን ብምዃን ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላ ሚኒሶታን ሎስ ኣንጀለስን ብምዃን ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ 500 ዝኾኑ ተወከልቲ ማሕበራት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛቲዩ።

ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ በዓል 6 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ልዝቦም ምዝዛሞም ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ጫፍ ዝረገፀ ክሕደትን መጥቃዕቲን፣ ኣብ ማይ ካድራን ካልኦት ከባቢታትን ብግፍዒ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ከምዝኹንኑ ገሊፆም።

መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ወፍሪ ምኽር ሕጊ ብዓወት ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፉ እውን ኣፍሊጦም።

ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ሞራልን ናውቲን ብምግባር ዘለዎም ክብሪን ናእዳን ከምዝገልፁ እውን ተዘዛሪቦም፡፡

ናይ ሓሶት ወረ ተለኣኣኽቲ እቲ ጉጅለ ጁንታ ብምቅላዕን ትኽክለኛ መንነት እቲ ጉጅለ ንተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም፣ ንማህበረሰብ ዓለም፣ ንመንግስታት ፈተውቲ ሃገራትን ንኣካላት ውሳነ ወሃብቲን ንምፍላት ብዝተወደበ መገዲ ንምስራሕ ወሲኖም።

እቲ ጉጅለ ፈታዊ ሃገሩ ብዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሽም ዘካይዶ ንግዲ ፖለቲካ ብምኹናን፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ መላእ ኣሓትን አሕዋትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣንፃር እቲ ጉጅለ ንኽቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“ኣካላት መወሰኒ ሕጊን መፈፀሚ ሕጊን ኣሜሪካ፣ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካን ካልኦት መንግስታትን ነቲ ኩነታት ብዝግባእ ፈሊጦም እቲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ግደኦም ንኽዋፅኡ ከምዜጋ ዝተወደበን ዝተናበበን ስራሕ ክንሰርሕ ኢና” እውን ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment