ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ኣብ ትግራይ ዕላዊ9 ዑደት ኣካይዱ።
እቲ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ዝተፈላለያ ኢንተርፕራይዛትን ኩባንያታትን መንግስቲ ቻይና ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ፥ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝነበረ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብተወሳኺ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ፣ ሽረን ኣክሱምን ምብፃሕ ስራሕ ከምዘካየዱ ተገሊፁ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ እትርከብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ላጪ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ዝኸውን 410 ካርቶን ፀባ ገጋፍ ገይሩ።
ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩዋን፥ ቻይና ኣብ ዳግመ ህንፀት ዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ድጋፍ ከምትገብርን ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ልዕሊ 5 ሚልየን ብር ንዋግኡ ምግቢ ተንከፍ ሓገዛት ኣብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ ምህላው ኣረዲኦም።
መምህራንን ተምሃሮን ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገማት ኮይኖም ኣብ ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሮም ዘመስገኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፥ ቻይና ንዝጀመረቶ ድጋፍ ብምምስጋን መንግስቲ እውን ኣብዚ ዓዉዲ ዝኸኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።