ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ዓድዋ ዓወት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት፣ ኣርማ ሓድነት ኢትዮጵያውያንን ድሙቕ ታሪኽን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“እንኳዕ ንመበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ኣብፀሐኩም” ኢሎም፡፡

ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ሜክሲኮን ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ ብግደኦም፥ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንበዓል ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment