ኤምባሲታትን ኣምባሳደራትን ዝተፈላለያ ሃገራት ንበዓል ልደት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲታትን ኣምባሳደራትን ዝተፈላለያ ሃገራት በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ንኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኤምባሲታት ጀርመንን ጣልያንን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት÷ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን ኣብ እንኳዕ ኣብ ፀሐኩም መልእኽቶም÷ ሩሲያን ኢትዮጵያን ኩለመዳይ ምትሕብባር ከምዘለወን ኣመልኪቶም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ልደት ንዘኽብሩ ኩሎም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ምምሕልላፎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ኤምባሲታት እስራኤል፣ ህንዲ፣ ስዊዲን፣ ኣውስትራሊያ፣ እንግሊዝን ኔዘርላንድስን፤ “ንኹሉም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ሰናይ በዓል ልደት ይኹነልኩም” ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment