ኤሎን መስክ ሳይበርካብ ዝተብሃለት ሓዳሽ መኪና ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒ ኩባኒያታት ቴስላን ኤክስን ኤሎን መስክ ትፅቢት እናተገበረላ ዝነበረት ‘ሳይበርካብ’ ዝተብሃለት ሓዳሽ መኪና ዕላዊ ገይሩ።

ኣዚያ ዘበናዊት ዝተብሃለት እዛ ሓደሽ መኪና÷ በዓልቲ ክልተ በሪ ኮይና ብዘይ ኣሽከርካሪ ክትንቀሳቐስ ትኽእል ከምዝኾነት ተሓቢሩ።

ወናኒ እቲ ኩባንያ ኤሎን መስክ÷ ባዕለን ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ብሰባት ካብ ዝንቀሳቀቐሳ ተሽከርከርቲ ዝበለፀ ድሕንነተን ዝተሓለወ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እታ ሓዳሽ ተሽከርካሪት ሰብ ዋና እታ መኪና እንተይገንሑ እታ መኪና ባዕላ ተንቀሳቒሳ ብምስራሕ ንሰብ ዋና ኣታዊ ክተምፅእ ትኽእል ከምዝኾነት ኣገንዚቦም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2027 ኣቐዲሙ ኣብ ዕዳጋ ምውዓል ከምትጅምር ዝገለፀ ኤሎን መስክ፤ ብ30 ሺሕ ዶላር ወይ እውን 23 ሺሕ ፓውንድ ናብ ዕዳጋ ከምትቐርብ ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment