ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 47 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ዝተመረፁ ዶናልድ ትራምፕ ሓላፊ ክፍሊ ኣፈፃፅማ ምምሕዳር መንግስቲ ብምዃን ዝተሾሙ ኤሎን መስክ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣሚር ሰኢድ ኢራቫኒ ተዛትዮም፡፡
ብግልፂ ብዘይተነረገሉ መገዲ ዝተኻየደ እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ቴህራንን ኣብ ምሕደራ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካን ዝህሉ ርክብ ዘድሀበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተሳተፉን ስሞም ከይፅራሕ ዝደለዩን በዓል መዚ ኣሜሪካ÷ እቲ ልዝብ እወንታዊን ብስራት ሒዙ ዝመጽእን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዘተ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘሎም ፖሊሲ ብሓዱሽ መልክዑ ንኽሪኡ ዝገብር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ሰብ መዚ ኢራን ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢቶ ከምዘየለ ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡