ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር 4፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒ ኩባኒያታት ኤክስን ቴስላን ኤሎን መስክ ኣብ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሓላፊ ክፍሊ ኣፈፃፅማ መንግስቲ አሜሪካ ብምዃን ሹመት ተዋሂቡዎ፡፡
ቁፅሪ ሓደ በዓል ሃፍቲ ዓለም ኤሎን መስክ ምስ ነበር ተቐዳሚ ሕፁይ ሪፐብሊካን ቪቪክ ራማስዋሚ ብሓባር ብምዃን ነቲ ዲፓርተመንት ከምዝመርሑዎ ተገሊፁ፡፡
መስክ ኣብ ሓለፍነት ፃንሒቱ ሪፐብሊካን ፓርቲ ዘውፀኦም ፖሊሲታት ብዝምልከት ምኽሪን መምርሒን ብመሃብ መስተኻኸሊ ክህብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኤሎን መስክ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ንሪፐብሊካን ፓርቲን እናደገፈ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ካብ ኤሎን መስክ ብተወሳኺ ንኣሰናዳኢ ፎክስ ኒውስን ነበር ኣባል ጦር ኣሜሪካን ፔት ሄግሴዝ መከላኸሊ ኣሜሪካ ብምግባር እዝኾሙ እንትኾኑ÷ ንጆን ራክሊፍ ድማ ዳይሬክተር ብሄራዊ ሓበሬታ ብምግባር ሾይሞም፡፡