ኤልኒኖ ብዘስዐቦ ድርቂ ኣብ መትረብ ፓናማ ቁፅሪ መርከባት ክንኪ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መትረብ ፓናማ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ብምግጣሙ እቲ መተሓላለፊ ዝጥቀማ መርከባት ቁፅረን ብዝበለፀ ከመዝንኪ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ምምሕዳር ሩባ ፓናማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ዝደረቐ ኩነታት ብምምዝጋቡ እቲ ውሳነ ንምሳን ከምዝተገደደ ኣብሪሆም።

ኩነታ ኣየር ኤልኒኖ ንዝኸበደ ድርቂ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ እውን ተገሊፁ።

እቲ ውሳነ ኣብ ዙሪያ ዓለም ሸቐጣት ናይ ምጉዕዓዝ ወፃኢ ወሰኽ ከስዕብ ከምዝኽእል ተሓሩ።

መርከባት ብሞንጎ ውቅያኖሳት ኣትላንቲክን ፓሲፊክን ዝጓዓዓዛሉ እዋንን ርሕቐትን ኣዚዩ ዝንኪ መትረብ ፓናማ÷ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት፣ ኣብ ዓመት ን365 መዓልቲታት ግልጋሎት ዝህብ ኢዩ።

እቲ መስመር ኣብ ዓመት ካብ ልዕሊ 13 ሺሕ ክሳብ 14 ሺሕ መራኽብ ከምዝተኣናገዳሉ እቲ ምምሕዳር ገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ዘተኣነናግደን 31 መርከባት ቁፅረን ናብ 25 ከምዝንኪ ዘመላኸቱ እቶም ሰብ መዚ፤ ካብ ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ ድማ 18 መርከባት ናብ ምትእንጋድ ከምዝወርድ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment