ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍጋኒስታን ኣብ መዓልቲታት ኣፈላላይ ንካልኣይ ግዘ ብከቢድ ርዕደ መሬት ተጠቒዓ።
ብሬክተር ስኬል 6 ነጥቢ 3 ዝተመዝገበ ከቢድ ርዕደ መሬት÷ ኣብ ግዝኣት ሄራት ካብ ዘጋጠመን ልዕሊ 2 ሺሕን 400 ሰባት ንሕልፈት ካብ ዘቃለዐ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ኢዩ ንካልኣይ ግዘ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ።
እቲ ሓደጋ ዋና ከተማ ግዝኣት ሄራት ኣብ ዝኾነት ዝርከብ ከባቢ ሎሚ ንጉሆ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ከባቢ ቅድም ክብል ብዘጋጠመ ርዕደ መሬት ዝፈራረሱ ከባቢታት ዓብዪ ክሳራ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ብውሕዱ 80 ሰባት ከምዝቖሰሉን እቲ ሓደጋ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምግህማስ መሬት ዋና ጎደና ሄራት ከምዝተዓፀወም ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ሓበሬታ ኣብዱልዋሂድ ራያን ተዛሪቦም።
ሰብ መዚ ታሊባን ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ዓመት ብዘጋጠሙ ከበድቲ ሓደጋታት ርዕደ መሬት ብውሑዱ 2 ሺሕን 445 ሰባት እንትሞቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ድማ ቆሲሎም።
ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወትን ወለንታውያንን ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንደራት ብህይወት ዝተረፉን ኣስከሬናትን ካብ ዝፈራረሱ ኣባይቲ ንምውፃእ ቀትሪን ለይቲን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com