ኣፍሪካ ግዳይ ድርብ ኢ-ፍትሃዊነት ኣህጉር ኢያ – ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ግዳይ ድርብ ኢ-ፍትሃዊነት ኣህጉር ከምዝኾነት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ገሊፆም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ 7ይ ኮንፈረንስ ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ሓዱሽ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ ውሕመ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ድልው ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ኣፍሪካ ዓለም ለኻዊ ርክብ ፍትሒ የድልያ፤ ምኽንያቱ ድማ ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ዓለም ለኻዊ ርክብ ግዳይ ኢፍትሓዊነት ኮይና ፀኒሓ ኢያ” ኢሎም።

ኣፍሪካ ብስእነት ፍትሒ እጦት ድርብ ግዳይ ኮይና ከምዝፀንሐት ዝሓበሩ እቶም ዋና ፀሓፊ÷ እቲ ፈላማይ ናይ ባዕዳዊ ግዝኣት ኢ-ፍትሓዊነት እንትኸውን ካልኣይ ድማ ሕዚ ብዘሎ ልዕልነት ሓይሊ ዓለም ምኽንያት ኣብታ ኣህጉር ዝተፈጠረ ኢኮኖሚያዊ ኢ-ፍትሓዊነት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማት ብግደኦም÷ ኣፍሪካ ብምኽንያት ዘይምርግጋፅ ሰላምን ፀፅታን ኣፀጋሚ ኩነታት እናሓለፈት ከምትርከብ እውን ገሊፆም፡፡

መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ተጠቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾና ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment